ናትኩም ብጻይ ኣብ ጎንኹም ኣሎ

ወለንተኛ ሪደርከርክ ንዓኹም ክሕግዘኩም ይደልይ እዩ፣ ምእንቲ ንስኹም/ኽን
ብዝተኻእለ መጠን ብዝቐልጠፈ ኣብ ሪደርከርክ ኣብ ዓድኹም ዘለኹም ኮይኑ ክስምዓኩም።
ከምኡ እውን ምእንቲ ክትሳተፉ ክትክእሉ!
ከምዚ ዓይነት ወለንተኛ ንሕና ብጻይ/ብጸይቲ ኢልና ንጽውዖ።
ናትኩም/ክን ብጻይ/ብጸይቲ፣ ምሳኹም ይኸይድ፣ ይሕግዘኩም
ወይ ኣብ ገዛኹም ንዕላል ወይ ቡን ንምስታይ ይመጽእ።
ልክዕ ከምቲ እትደልይዎ!
ልክዕ ከምቲ ዘድልየኩም!
እዚ ንናትኩም ረብሓ እዩ!
ብጻይ/ብጸይቲ ንዓኹም ንምሕጋዝ ድሉው እዩ።

ኣብዚ ዝስዕብ ናትና መርበብ-ሓበሬታ፣ ብጻይ/ብጸይቲ ንዓኹም እንታይ ክሕግዘኩም ከምዝኽእል ክትርእይዎ ትኽእሉ ኢኹም፡
www.sameninridderkerk.nl

ንስኹም/ኽን እውን ብጻይ/ብጸይቲ ትደልዩ ዲኹም?
ወይ ካልእ ሕቶ ኣለኩም/ክን ድዩ?
ናብዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ኢ-መይል ስደዱ
sir.ridderkerk@gmail.com

ናትኩም ባዲ ማለት ብጻይ/ብጸይቲ ብጻይ ኣብ ጎንኹም ኣሎ። ንሕና ብሓባር ኣዝዩ ብዙሕ ክንገብር ንኽእል ኢና።