ትምህርቲ

ኣብ ኔዘርላንድ ንነፍስወከፍ ካብ ሓሙሽተ ዓመት ንላዕሊ ዝዕድሚኦም ሰባት ምሉእ ግዴታ ትምህርቲ ተፈጻምነት ኣለዎ።

ነፍስወከፍ ቆልዓ፣ ሓሙሽተ ዓመቱ ድሕሪ ምምላእ ኣብ ዘላ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ወርሒ ጀሚሩ ክሳብ 16 ዓመት ዕድመኡ ናብ ቤት-ትምህርቲ ክኸይድ ኣለዎ።

ካብኡ ንደሓር ሓደ ተመሃራይ ክሳብ 23 ዓመት ዕድመኡ ትምህርቲ ናይ ምክትታል ከፊላዊ ግዴታ ኣለዎ። እዚ ማለት ንሱ ካብ ናይ ትምህርቲ ግዴታ ነጻ ንክኸውን መበገሲ ብቕዓት ክህልዎ ኣለዎ (እዚ ማለት ዲፕሎማ ናይ ማእከላይ ሓፈሻዊ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ (Mavo) ወይ መዳለዊ ስነ-ፍልጠታዊ ትምህርቲ (vwo)፣ ወይ ዲፕሎማ ናይ ማእከላይ ትምህርቲ ሞያ (mbo) እንተወሓደ ደረጃ 2 ክህልዎ ኣለዎ ማለት እዩ)።

ኣብ ኔዘርላንድ ትምህርቲ ንዝተፈላለዩ ናይ ዕድመ ጉጅለታት ዝኾኑ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝተኸፋፈለ እዩ። መባእታዊ ትምህርቲ ካብ ከባቢ ኣርባዕተ ክሳብ ዓሰርተ ክልተ ዕድመ ንዘለዉ ቆልዑት ዝዓለመ እዩ።

ኣብ መባእታዊ ትምህርቲ፣ ከም በዓል ቊጽሪን ቋንቋን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ጉዳያት ዝምልከቱ ትምህርቲ ይወሃብ።

ድሕሪ መባእታዊ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ይስዕብ።

ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ብመሰረት ዝተፈላዩ ደረጃታት ትምህርቲ እዚኦም ዝስዕቡ ንኡስ ክፋላት ኣለውዎ (ሓፈሻዊ ትምህርቲ፣ ሞያዊ ትምህርቲን ስነ-ፍልጠታዊ ትምህርቲን)።

መቐጸልታ ትምህርቲን ሞያዊ ትምህርቲን፣ ተመሃሮ ብዝተዛማዲ ብቀሊሉ ናብ ዝቕጽል ትምህርቲ ክዘዋወሩ ከምዝኽእሉ ኮይኑ ዝተዋደደ እዩ።

ብምቕጻል ኣብ ኔዘርላንድ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ፍልስፍና ህይወት፣ ሃይማኖታዊ ወይ ስነ-ትምህርታዊ ድሕረ ባይታ ምርኩስ ብምግባር ህዝባዊ፣ ወይ ከኣ ፍሉይ ክኸውን ይኽእል።

ብተወሳኺ ፍሉይ ትምህርቲ፣ ንኣብነት ስንክልና፣ ከቢድ ሕማም ወይ ምዝባዕ ንዘለዎም ተመሃሮ፣ ብፍሉይ ኣፍልጦ ዘለዎም ሰብ ሞያ ን/ወይ ጽዑቕ ምምራሕ ይህብ።

ኣብ ኔዘርላንድ ተመሃሮን ወለዶምን፣ ብዛዕባ ትምህርቲ ዘለዎም ዝርድኢት ን/ወይ ናይ ህይወት ፍልስፍና ብዝሰማማዕ መንገዲ ባዕላቶም ቤት-ትምህርቲ ክመርጹ ይኽእሉ እዮም።

ህዝባውያን፣፣ ፍሉያት፣ ከምኡ እውን ግላዊ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣለዉ።

እቶም ክልተ ቀዳሞት ብመንግስቲ ዝምወሉ እዮም፣ እንተኾነ ግን ኣብ ርእሲኡ ክፍሊት ብጽሒት ወላዲ ክሓቲ ይኽእሉ እዮም።

ግላዊ ኣብያተ-ትምህርቲ ጠቕላላ ብወለዲ ናይ ተመሃሮ ዝኽፈሉ እዮም።

tt4