ታሪኻት ተሞክሮ

ሰላም፣

ኣነ ሙርፋት ይበሃል።

ኣብ ሪደርከርክ መጺአ ክነብር ጅምር ከብል እንከለኹ፣ ኣዝዩ ብርቱዕ ቃንዛ ስኒ ነይሩኒ።

ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ማለት ፍሉኽተሊገንቨርክ ንዓይ ሓኪም-ስኒ ደልዮም ረኺቦምለይ።

ኣነ ሽዕኡ ቋንቋ ኔዘርላንድስ ዳርጋ ዘይዛረብ ብምንባረይ፣ በይንኻ ንምኻድ ኣፍሪሑኑ ነይሩ።

ናተይ ባዲ ማለት ብጸይተይ ምሳይ ከይዳ።

እቲ ሓኪም-ስኒ ንኣስናነይ መርሚርዎ፣ ከምኡ እውን እንታይ ክግበር ከምዝነበሮ ኣዝዩ ጽቡቕ ገይሩ መብርሂ ሂቡኒ።

ናብ ሓኪም መጥባሕቲ ምንጋጋ ክኸይድ ነይሩኒ።

ናተይ ባዲ ማለት ብጸይተይ ነቲ ቆጸራ ሒዛትለይ፣ ከምኡ እውን ናብቲ ሆስፒታል ምሳይ ከይዳ።

ዋላ እኳ ናብ ሓኪም ስኒ ምኻድ ኩሉ ግዜ ደስ ዘይብለኒ እንተኾነ፣

እዚ ንኹሉ ነገር ዝያዳ ደስ ዝብል ከምዝኸውን ገይርዎ።

ሰላም፣

ኣነ ማህድያ ይበሃል።

ኣነ ድሮ ካብ 2016 ጀሚረ ኣብ ሪደርከርክ ይነብር።

ኣነ ካብ ሃገረይ ተሰዲደ ምስ ወጻእኩ፣ መወዳእታኡ መዓልቦይ ኣበይ ምዃኑ ኣይፈልጥን ነይረ።

ኣነ ኣብ ኔዘርላንድ መንበሪ-ፍቓድ ምርካበይ ኣዝየ ሕጒስቲ እየ።

ኣነ ንውልቀይ ስለዝኾንኩ፣ ኩሉ ነገር ባዕለይ ከዋድዶ ነይሩኒ።

ምምሕዳር ከተማ ሪደርከርክ፣ ከምኡ እውን ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ማለት ፍሉኽተሊገንቨርክ ንዓይ ጽቡቕ ገይሮም ሓጊዞምኒ።

ዝተፈላለዩ ንኣታዊታትን ወጻኢታትን ንምምልካት፣ ክዋደዱ ዝነበሮም ብዙሓት ጉዳያት ነይሮም።

ከምኡ እውን ጽቡቕን ጽፉፍን ምህሃድ ንምግባር፣ ንትምህርተይ ዝምልከቱ ጉዳያት እውን ክዋደዱ ነይርዎም።

ኣነ ሽዕኡ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝቐልጠፈ ናይ ምውህሃድ ዲፕሎማ ክሕዝ ደልየ ነይረ፣ ብድሕሪኡ ስርሕ ምእንቲ ክጅምር።

ኣነ ምስ ናተይ ባዲ ማለት ብጸይተይ ማራይከ ምልላየይ ኣዝየ ሕጒስቲ እየ።

ማራይከ ኣብ ኩሉ ነገር ንዓይ ብዘይ መጠን ኣዝያ ዝሓገዘትኒ ነባሪት ሪደርከርክ ዝኾነት ዓባይ ሰበይቲ እያ።

ናይ ትምህቲ ዕዮ-ገዛ ንምስራሕ ትሕግዘኒ ነይራ። ንዓይ ኣየናይ ዓይነት ስራሕ ዝሰማማዓኒ ምዃኑ ብዝምልከት ብሓባር ንመያየጥ ነይርና።

ኣነ ወለንታዊ ስራሕ ንኽረክብ ሓጊዛትኒ።

ናይ ስራሕ መመልከቲ ጽሑፍ ብኸመይ ከምዝጸሓፍ ንባዕሉ ንዓይ ምሂራትኒ።

ንሳ ንዓይ ተተባባዓኒን፣ ኣነ ጸሊአዮ ድሕር ክብል እንከለኹ ንኽቕጽል ትደፋፍኣኒን።

ከምኡ እውን ሓደ ሓደ ግዜ ናተይ ባዲ ማለት ብጸይተይ ቡን ንኽትሰቲ ጥራይ ናባይ ትመጽእ፣ ኣነ ኸኣ ዝተፈላለዩ ጥዑማት ነገራት ቀሪበ ከም እትቋደስ ይገብር።

ሰላም፣

ኣነ ኣማኑኤል ይበሃል።

ካብ ሃገረይ ተሰዲደ ኣብ ሪደርከርክ ንኣርባዕተ ዓመታት ድሕሪ ምቕማጠይ፣

ናይ ጥርናፈ ስድራ-ቤት ብኢ.ኤን.ዲ ፍቓድ ድሕሪ ምርካበይ፣

ንበዓልቲ ቤተይን ደቀይን እንደገና ክሓቊፍ ክኢለ።

እዚ ንዓና ንኹልና ማዕረ ክንደይ ሓጎስ ዝመልኦ እዋን ምንባሩ ይርድኣካ እዩ።

እዚ ግን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ሓደ ዓብይ ዕማም ኣሰኪሙና ነይሩ።

ንሕና ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ካብቲ ንእሽተይ ኣፓርታማይ፣ ናብ ሓደ ንስድራ-ቤት ዝኸውን ገዛ ክንግዕዝ ነይሩና።

ኣነ ነቶም ንዓይ ዘዋደዱለይ፣ ንምምሕዳር ከተማ ሪደርከርክን ነቲ ትካል መንበሪ-ኣባይቲን ኣዝየ እየ ዘመስግኖም።

እንተኾነ ግን ንቪለማይን፣ ከምኡ እውን ንዮፕ ዝያዳ እየ ዘመስግኖም።

እዚኦም ደስ ዝብሉ ነበርቲ ሪደርከርክ ዝኾኑ መጻምድቲ ናተይ “ባዲ” ማለት ብጾተይ እዮም።

ንሶም እንተዘይህልዉ ነይሮም፣ በዓልቲ ቤተይን ኣነን እንታይ ምገበርና ነይርና ኣይፈልጥን።

ንሳቶም ብዘይምግናን ኣብቲ ሓድሽ ገዛና ንኹሉ ክግበር ዝነበሮ ጉዳያት ሓሲቦምሉ።

እንታይ ክግዛእ ከምዝነበሮ እውን። ከምኡ እውን ኣበይ ብዝሓሰረ ክግዛእ ይኽእል ምንባሩ ሓሲቦምሉ።

ብዛዕባኡ ሓሲቦምሉ ጥራይ ዘይኮነ እውን፣ ንሳቶም ባዕላቶም ጉልበቶም እውን ኣይበቀቊን።

ከምኡ እውን ክሕግዙ ድሌት ዝነበሮም ኣዕሩኽቶምን ፈለጥቶምን ጸዊዖም ኣዋዲዶም።

እቲ መፍትሕ ድሕሪ ምቕባልና፣ ሳላ ናታቶም ጻዕሪን ዓሚቕ ኣስተብህሎን፣ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሳምንታት

በዓልቲ ቤተይን እቶም ቆልዑትን ካብቲ ማእከል መዕቆቢ ስደተኛታት ናብ ሪደርከርክ ክመጽኡ ክኢሎም።

ከምኡ እውን ኣብቲ ሓድሽ ገዛና ንመጀመርታ ግዜ ደስ ዝብል ብሓባር ከም ሓንቲ ስድራ-ቤት ደቂስና።

ሰላም፣

ኣነ ዮናታን ይበሃል።

ኣነ ምስ ወለደይ ሕጂ ዳርጋ ሓደ ዓመት ኣብ ኔዘርላንድ ተቐሚጥና ኣለና።

ንሕና ኣብ ሪደርከርክ ንነብር፣ ከምኡ እውን ኣብዚ ደስ ዝብል ኮይኑ ረኺብናዮ።

ቅድሚ ንሕና ናብ ኔዘርላንድ ምምጻእና፣ ኣነ ትምህርቲ ይከታተል ነይረ እየ።

ኣነ ዳሕራይ ዶክተር ንክኸውን እዩ ሕልመይ ነይሩ።

ኣነ ቋንቋ ኔዘርላንድስ ምዝራብ ኣዝየ ቀልጢፈ እየ ተማሂረ።

እዚ ብፍላይ ሳላ ጻዕሪ ናይ መምህረይ ኣብ ቤት-ትምህርቲ እዩ።

እንተኾነ ግን ኣነ ብዙሕ ህርኩት ብምዃን ስለዝሰርሕ እውን እየ ትብል መምህረይ።

እቲ ንዓይ ዝሓገዘኒ፣ ንኣቦይ ዓርኩ ማለት “ባዲ”፣ ንዓይ ናይ ትምህርተይ ዕዮ-ገዛ ንኽሰርሕ ስለዝሕግዘኒ እዩ።

እንተድኣ ናይ 10 ደቓይቕ ዝርርብ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ኣሎ ኮይኑ፣ ንሱ ምሳና እውን ይኸይድ፣ ምኽንያቱ ወለደይ ቋንቋ ኔዘርላንድስ ገና ጽቡቕ ገይሮም ዘይዛረቡ ስለዝኾኑ።

ብድሕሪኡ ናብ ገዛ ምስተመለስና፣ ንሱ ንኣቦይን ንኣደይን እንታይ ከምዝተባህለን ኣብ ትምህርተይ ነየናይ ከስተብህልሉ ከምዘለዎምን ይገልጸሎም።

ንሱ ንዓይ ዝሕግዘኒ ብምዃኑ እውን ኣነ ኣዝየ ሕጉስ እየ።

ስደተኛ ምዃን ኩሉ ግዜ ደስ ዝብል ነገር ኣይኮነን።

ሓደ ሓደ ግዜ በይነይ ዝኾንኩ ኮይኑ ይስምዓኒ እዩ።

ኣነ ካብ ካልኦት ኔዘርላንዳውያን ቆልዑት ንላዕሊ ብዝሓየለ ክሰርሕ ዘለኒ ምዃነይ ይፈልጥ እየ።

ኣነ ነዚ ንምግባር ሓገዝ ዝረክብ ምዃነይ ሕጒስ እየ።

ሕጂ እቲ ኣነ ክኾኖ ዝደልዮ ሕልመይ ከቋርጾ ኣየድልየኒን እዩ።

ሰላም፣

ኣነ ዮሴፍ ይበሃል።

ዕድመይ ሸሞንተ ዓመት እዩ። ቅድሚ ሓደ ዓመት፣ ኣነ ምስ ኣቦይን ኣደይን፣ ከምኡ እውን ምስ ክልተ ኣሓተይ ካብ ሃገርና ተሰዲድና። ኣብኡ ኲናት ኣሎ፣ ከምኡ እውን ገዛና ተደብዲቡ ነይሩ።

ንሕና ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ሪደርከርክ ክንነብር መጺእና። ኣነ ኣብዚ ናብ ሓደ ብዙሓት ስደተኛታት ቆልዑት ዘለውዎ ቤት-ትምህርቲ ይኸይድ። እንተኾነ ግን ንሳቶም ኣብቲ ኣነ ዝነብረሉ ከባቢ ኣይኮኑን ዝነብሩ።

ኣብ ናተይ ከባቢ ኔዘርላንዳውያን ቆልዑት ጥራይ ይርከቡ።

ኣነ ኩዕሶ እግሪ ኣዝየ ይፈትው እየ። ሓደ ሓደ ግዜ ምስቶም ካልኦት ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ቆልዑት ኣብ ጸወታ ክሳተፍ ይኽእል እየ። እንተኾነ ግን እንታይ ከምዝብሉ ኣይርድኦምን እየ፣ ንሳቶም እውን ንዓይ ኣይርድኡኒን።

ከምኡ እውን ስለዚ ንዓይ ይሰጒኒ።

ኦመ ያን ንኣቦይን ኣደይን ይሕግዞም እዩ። እዚ ነባሪ ሪደርከርክ ዝኾነ ዓብይ ሰብ እዩ። ንሳቶም “ባዲ” ማለት ብጻይ ኢሎም ይጽውዕዎ። እንተኾነ ግን ንሱ ከም ሓደ ዓርኪ ክሕግዞም ዝደልይ ሰብ እዩ።

ኦመ ያን ኣብዚ ኣብ ሪደርከርክ ናብ ሓደ ናይ ኲዕሶ ክለብ ምሳይ ከይዱ። ኣብ ጥቓ ገዛና ዝርከብ። ኣነ ኣብኡ እናመጻእኩ ክጻወት ዝኽእል እንተኾንኩ ንሱ ኣብኡ ሓቲቱ። ከምኡ እውን ኣነ ክንደይ ክኸፍል ከምዘለኒ ሓቲቱ። ንሕና ነዚ በቲ ናትና ናይ ሪደርከርክ-ፓስ ገይርና ክንከፍሎ ንኽእል ኢና።

ኣብቶም ናይ መጀመርታ እዋናት ኦመ ያን ናብኡ ምሳይ ከይዱ።

ንሱ ምስቲ ኣሰልጣኒ እውን ተዘራሪቡ።

ድሕሪ ገለ እዋን በይነይ ክኸይድ ጀሚረ፣ ከምኡ እውን ሕጂ ኣነ ኣብኡ ደስ ዝብል ግዜ የሕልፍ ኣለኹ።

ከምኡ እውን ምስቶም ኣብዚ ከባቢ ዝነብሩ ቆልዑት ሓደ ሓደ ግዜ እውን ይጻወት እየ። ኣብቲ ናተይ ናይ ኲዕሶ ክለብ፣ ንሳቶም ሕጂ ኣነ ክሳተፍ ስለዝደልዩ፣ ድሮ ብዙሕ ነገራት ተማሂረ ኣለኹ።

ዋላ እውን ኣነ ዝብሎ ኩሉ ግዜ ገና ጽቡቕ ገይሮም ዘይርድኦም እንተኾነ።

ሰላም፣ ኣነ ቶን ይበሃል።

ናይ ብዙሓት ስደተኛታት ባዲ ማለት ብጻይ ከም ምዃነይ መጠን፣ ኣነ ንገዛእርእሰይ ብተሞክሮ ፍሉይ-ኣፍልጦ ዘለኒ እየ ክብል እኽእል እየ።

ባዲ ምዃን በዳሂ እዩ። ኩሉ ሰብ ሓደ ዓይነት ኣይኮነን፣ ስለዚ እውን ሓደ ስደተኛ ካብቲ ካልእ ስደተኛ ጠቕላላ ይፈላለይ እዩ።

ገሊኡ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ኣብ ምውዳድ ቊሩብ ደገፍ ጥራይ የድልዮ፣ እቲ ካልእ ድማ ኣብቲ ሓገዝ ብዙሕ ይምርኮስ፣ ከምኡ እውን ምስቲ ሳልሳይ ሰብ ደስ ዝብል ሓጺር ዕላል ጥራይ እኹል እዩ።

ኣነ ንሓደ መንእሰይ ጎበዝ ኣብ ምምራሕ ይሕግዝ ነይረ እየ (ንሱ ኣብ መበል 17 ዓመት ዕድሚኡ ካብ ኤርትራ ተሰዲዱ)፣ ንሱ ኣዝዩ ልዑል ድልየትን ተገዳስነትን ዝነበሮ ሰብ እዩ ነይሩ። ንሱ ንነገራት ብቕጽበት ይመሃሮም ነይሩ። ኣዝዩ ደስ ይብል!

ኣነ ንሓደ ኣብ ሪደርከርክ ንነዊሕ እዋን ዝተቐመጠ ብዕድመ ዝደፍአ ዓብይ ሰብ ከም ባዲ ኮይነ ንኽሕግዝ እውን ተሓቲተ ነይረ። ንሱ ኹሉ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ከምኡ እውን ከምቲ ዝድለይ ኣይተጋጠምናን። ነዚ ንሕና ብሓባር ኣነጺርናዮ፣ ከምኡ እውን ቀልጢፍና ካብቲ ጽቡቕ ዕርክነትና ተፈላሊና።

ብርግጽ እቲ ዕላማ ንኹሎም ጸገማት ናይ ስደተኛ ንኽትፈትሖ ኣይኮነን። ሓገዝ ክትሓተሎም እትኽእል ብዙሓት ተቕዋማት ኣለዉ። ኣብ ሪደርከርክ ዝርከብ ተቕዋም ምውህሃድ (Stichting Integratie in Ridderkerk) ሓደ ካብዚኦም እዩ።

ባዲ ንኽትከውን፣ ብፍላይ ካብ ሓደስቲ ሰባት ትሰግእ ክትከውን የብልካን። ኣብ ሰባትን ኩነቶምን ሰፊሕ ተገዳስነት ምህላው ይሕግዝ እዩ። ናይ ባህሊታት ፍልልያትን ናይ ካልኦት ባህሊታት ክብሪታትን ክትፈልጥ ትኽእል።

እዚ ንናተይ ተሞክሮ ኣመና ኣዕዚዝዎ ኣሎ።

tea1