ኣታዊ

እንተድኣ ኣብ ኔዘርላንድ ሓድሽ ህይወት ክትሃንጽ ደሊኻ፣ ቀልጢፍካ ስራሕ ክትጅምር የድልየካ እዩ።

ስራሕ ምስ ዝህልወካ፣ ቁምነገር ዘለካ ኮይኑ ይስምዓካ። ስለዚ ንምንባር ዘኽእለካ ኣታዊ ትረክብ። እንተድኣ ስድራ ኣለካ ኮይኑ፣ ስድራኻ ክትኣልይ ትኽእል። ስለዚ ንሕና ነዚ ብፊናንስ ገዛእ-ርእስኻ እትኽእል ንብሎ።

ግን ከኣ ብምስራሕ ማሕበራዊ ተሳታፍነት እውን ይህልወካ።

ምስ ኔዘርላንዳውያን ብሓባር ስለ እትሰርሕ፣ ንሕና ኣብ ኔዘርላንድ ብኸመይ ምስ ነንሓድሕድና ብሓባር ከም እንዋሳእ ቀልጢፍካ ትመሃር። ንስኻ ባዕልኻ ኣብ ናይ ሪደርከርክ ሕብረተሰብና ዘለካ ቦታ ማዕረ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን።

ንሕና ነዚ ኣብ ሪደርከርክ ብሓባር ኢና እንገብሮ!

ቋንቋ ኔዘርላንድስ ዘይመልኩ ክሳብ ዝኾኑ፣ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ስደተኛታት ስርሕ ንኽጅምሩ ኣዝዩ የጸግሞም እዩ። በዚ ምኽንያት እዩ ኸኣ ንምውህሃድ ምስ ምምሕዳር ከተማ ሪደርከርክ ሓደ ውጥን ኣዋዲድካ ዘለኻ። እንተድኣ ገና ኣብ ናይ ምውህሃድ ትምህርቲ ተጸሚድካ ኣለኻ ኮይንካን፣ ገና ስራሕ ዘይብልካ ኮይንካን፣ መንግስታዊ ገንዘባዊ ደገፍ ይወሃበካ፥

ኣብቶም ምስ ኣመሓዳሪ-ዓሚል ማለት ክላንት ማናጀር ናይ ምምሕዳር ከተማ ሪደርከርክ ዝግበሩ ዝርርባትን፣ ምስ ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ሪደርከርክን ዝግበሩ ዝርርባትን፣ ንስኻ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ገዛእ-ርእስኻ እትኽእለሉ ህይወት ንምህናጽ፣ ብኸመይ ኣገባብ ክትሕገዝ ምዃንካ ምሳኻ ይዝረበሎም።

ብዛዕባ እዚ ብህርኩትነት ምስራሕ ኣባኻ ዝምርኮስ እዩ። ብዛዕባ እዚ ክሕግዙኻ ዝደልዩ ብዙሓት ተቕዋማት ወይ ማሕበራት፣ ሰብ-ሞያን ወለንተኛታትን ኣለዉ።

እንተድኣ ተወሳኺ ክትፈልጥ ትደልይ ኮይንካ፣ ናብዞም ዝስዕቡ መርበብ- ሓበሬታታት ሓንሳብ ተመልከት።

 

መርበብ-ሓበሬታ ብብዙሓት ቋንቋታት
(ኔዘርላንድስ፣እንግሊዝ፣ ዓረብ፣ ትግርኛ)
ውጥን-ገንዘብ
ወነንቲ መንበሪ-ፍቓድ
www.startpuntgeldzaken.nl
መርበብ-ሓበሬታ ብብዙሓት ቋንቋታት
(ኔዘርላንድስ፣ እንግሊዝ፣ ፈረንሳ፣ ዓረብ)
መብርሂ ደይ.ኸይ.ደይ (DigiD) www.leerzelfonline.nl
ኣታዊ ደገፍ ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም www.ridderkerk.nl
ኣታዊ ደገፍ ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም www.ridderkerk.nl
ኣታዊ ወጻኢታት ጥዕና-መድሕን www.ridderkerk.nl
ኣታዊ Voedselbank www.voedselbankennederland.nl

tt2