ባህሊ

መድብለባህላዊ ሕብረተሰብ

ንኣማኢት ዓመታት ወጻእተኛታት ናብ ኔዘርላንድ ክመጽኡ ጸኒሖም እዮም።

ሓደ ሓደ ግዜ እዚኣቶም ስደተኛታት እዮም፣ ሓደ ሓደ ግዜ ኸኣ ስራሕ ዝደልዮ ሰባት እዮም።

እንተኾነ ግን ዳርጋ ኩሉ ግዜ እዚኣቶም ኣብዚ ሓድሽ ህይወት ክሃንጹ ዝደልዩ ሰባት እዮም።

ኩሎም እዚኣቶም ሰባት ኣብዚ ኹሉ ዓመታት፣ ሓደ ክፋል ናይ ባዕሎም ባህሊ ናብዚ ሒዞሞ መጺኦም እዮም። እዚ ኸኣ ኣብ ኔዘርላንድ ንሕና ሓደ መድብለ-ባህላዊ ማለት ብዙሕ ባህሊ ዘለዎ ሕብረተሰብ ከምዝህልወና ገይሩ። እዚ ንህይወትና መሳጢን ውቁብን ይገብሮ።

እንተኾነ ግን እዚ ማለት፣ ምእንቲ ኣብ ኔዘርላንድ ከም ቅኑዓት ዜጋታት ብሓባር ንምንባር ንምኽኣል፣ ኣየናይ እዩ እቲ ናይ ብሓቂ ኣገዳሲ ብዝምልከት ምስ ነንሓድሕድ ግቡኣት ስምምዓት ክትገብር ኣለካ ማለት እዩ።

እዚኦም ስምምዓት ንሕና ሕመረት-ክብሪታት ኢልና ንጽውዖም።

ናትና ሕመረት-ክብሪታት፡ ነጻነት፣ ማዕርነት፣ ስምረትን ተሳትፎን እዮም።

ማዕረ መሰላት ንደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን፣ ብትምህርቲ ንገዛእ ርእስኻ ናይ ምምዕባል መሰል፣ መጻምድትኻ ክትመርጽ ናይ ምኽኣል መሰል፣ ከምኡ እውን ናይ ገዛ ርእስኻ ኣረኣእያ ናይ ምግላጽ መሰል ንምሕሳብ ይከኣል።

ከምኡ እውን ዋላ ንኹሎም እቶም ሕመረት-ክብሪታት ዘይትቅበሎም እውን እንተኾንካ፣ ነዚኦም ከተኽብሮም ግን ኣለካ። ንዓኻ ኣገደስቲ ዘይኮኑ ክብሪታት፣ ንኻልእ መናብርትኻ ዝኾነ ሰብ ግን ኣዝዩ ልዑል ኣገዳስነት ኣለዎም እዮም።

ንመናብርትና ዝኾነ ሰብ ብምኽባር መሰረት ጥራይ ኢና ንሕና ብሓባር ብዙሕ ዝሕብሩ ናይ ኔዘርላንድ ሕብረተሰብ ክንምስርት እንኽእል።

Cultuur Vrije tijd www.cultuurinridderkerk.nl

tt7