ምንባር

ንነፍስወከፍ ሰብ ‘ገዛ’፣ ናይ ባዕልኻ መንበሪ-ቤት ልዑል ኣገዳስነት ኣለዎ። እዚ ኣብ ኔዘርላንድ ንዝተወልዱ ሰባት ይኹን፣ ኣብዚ ንኽቕመጡ ዝሰረቱ ሰባት ብማዕረ ዝምልከት እዩ።

እዚ ንውልቆም ዝነብሩ ሰባትን፣ ንስድራ-ቤታትን ዝምልከት እውን እዩ።

ኣብ ኔዘርላንድ ህይወት ክትጅምር እትኽእል፣ ሰላም እትረኽበሉ ክትነብረሉ እትኽእል መንበሪ-ቤት ምስ ዝህልወካ ጥራይ እዩ። ድሕሪኡ ጥራይ ኢኻ ህይወትካ ክትሃንጽ እትኽእል። ሽዕኡ ብዛዕባ ቋንቋ ኔዘርላንድስ ወይ ካልኦት ዘድልዩኻ ብቕዓታት ንኽትመሃር ብምዕላም ከተማእዝን ትኽእል። ሽዕኡ ስራሕ ምድላይ ክትጅምር ትኽእል።

ካብ ምምሕዳር ከተማ ሪደርከርክ ዝተመደበልካ መንበሪ-ቤት ትቕበል። እዚ ናይ ቮንኮምፓስ [Wooncompas] ናይ ክራይ መንበሪ-ቤት እዩ።

ምስ ቮንኮምፓስ (ኣካራያይ) ውዕል ክራይ መንበሪ-ቤት ትፍጽም። ኣብኡ ንስኻ ከም ተኻራያይ ኣየኖት ስምምዓት ከተኽብር ከምዘለካ ይርከብ፣ ከምዚኦም ዝስዕቡ ዝኣመሰሉ፡

– ክራይ ኣብ እዋኑ ክትከፍል ኣለካ

– ነቲ ገዛን ቦታ ኣትክልቲን ብግቡእ ምክንኻን

– ረብኻ ክትገብር ረብልካን (ጎረባብቲኻ ብኣኻ ክርበሹ የብሎምን)

እቲ ኣካራያይ ቮንኮምፓስ እንታይ ክገብር ከምዘለዎ እውን ኣብኡ ይርከብ። ንኣብነት ቮንኮምፓስ ነቲ ገዛኻ ብግቡእ ንኽትነብረሉ ዝከኣል ኮይኑ ንኽቕጽል ክገብር ኣለዎ። ከምኡ እውን እንተድኣ ኣብቲ ገዛ ገለ ነገር ተሰይሩ፣ ንቮንኮምፓስ ነዚ ንኽጽግኖ ክትሓትት ትኽእል።

ኣብ ኔዘርላንድ ብሓፈሻኡ ምስ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ምስ ነንሓድሕድና ብጻዕቂ ንነብር።

ስለዚ ኣብ ጎደናኻን ኣብ ከባቢኻን እንታይ ይፍቀድ ወይ እንታይ ኣይፍቀድን ምስ ነንሓድሕድ ምስምማዕ የድልይ።

ብናይ ባዕልኻ ቋንቋ ዝተጻሕፈት ኣዝያ ጠቓሚት ንእሽተይ መጽሓፍ እውን ካብ ቮንኮምፓስ ክትቕበል ኢኻ- ኣርእስታ: “ኣብ ኔዘርላንድ ምንባር፣ 21 ምኽሪታት ምስ ጎረባብትኻ ባህታ ዘለዎ ህይወት ንምንባር”። ኣብኡ ንስኻ ኣየኖት ስምምዓት (ሕጊታት) ከተኽብር ከምዘለካ ይርከብ።

ኣብዚኦም ዝስዕቡ መተሓላለፊ ማለት ሊንክ እውን ሓንሳብ ተመልከት። እንተድኣ ባዲ ኣለካ ኮይኑ፣ ነዚኦም ምስ ናትካ ባዲ ብሓባር ክትርእዮም ትኽእል ኢኻ።

 

ናይ ባዕልኻ መንበሪ-ቤት ሓፈሻዊ ሓበሬታ www.vng.nl
መንበሪ-ቤትን ምንባርን ምፍልላይ ጓሓፍ www.ridderkerk.nl/afval
መንበሪ-ቤት ክንክንን ጽገናታትን www.wooncompas.nl
መንበሪ-ቤት ጽገናታት www.wooncompas.nl/reparatie-melden

tt3