ስፖርት

ኣገዳስነት ምስራሕ ስፖርት

ስፖርት ምስራሕ ኣብ መዳይ ጥዕናኻ ብዙሕ ጥቕሚታት ይህብ።

ብዛዕባ እዚኦም ዝስዕቡ ክትሓስብ ትኽእል፡

  • ንኣእምሮኻን ናይ ምዝካር ዓቕምኻን ጽቡቕ እዩ፣
  • ብዙሕ ጭንቐት ኣይህልወካን፣
  • ጥዑይ ልቢ ንኽህልወካ ጽቡቕ እዩ፣
  • ዝያዳ ጸዓት ትረክብ።

ብዝተወሳኺ ምስራሕ ስፖርት ምስ ሕብረተሰብ ንምውህሃድ ኣገዳሲ ተራ ክጻወት ይኽእል እዩ።

ምስ ካልኦት ሰባት ትራኸብን፣ ምስ ካልእ ባህሊ ዘለዎም ሰባት ስፖርት ኣብ እትሰርሓሉ እዋን፣ ብሓባር ምስራሕ ትመሃርን። “ስፖርት ስምረት ይፈጥር” ተባሂሉ ዝዝረብ ተራ ዘረባ ኣይኮነን።

እዚኣቶም ኣወንታዊ ጽልዋታት ምስራሕ ስፖርት እዮም።

በዚኦም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ምኽንያታት ኣብ ሪደርከርክ ስፖርት ምስራሕ ኣገዳሲ እዩ ኢልና ንሓስብ፣ ከምኡ እውን ነዚ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ከነተባብዖ ንፍትን።

ምምሕዳር ከተማ ሪደርከርክ ምስ ብርክት ዝበሉ ትካላት መንግስቲን ኣቕረብቲ ስፖርታዊ ንጥፈታትን፣ ስምምዕ-ስፖርት ገይሩ ኣሎ። ኣብዚ ስምምዕ-ስፖርት፣ ንወነንቲ ወረቐት መንበሪ ፍቓድ ንዝኾኑ ስደተኛታት፣ ስፖርት ክሰርሑ ንክኽእሉ ፍሉይ ኣድህቦ ተዋሂብዎ ኣሎ።

ወነንቲ ወረቐት መንበሪ ፍቓድ ዝኾኑ ስደተኛታት ስፖርት ክሰርሑ ከምዘይክእሉ ዝገብሩ ዝተፈላለዩ ምኽንያት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም።

ሓደ ካብዞም ምኽንያታት፣ ኣዝዩ ክቡር ስለዝኾነ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ነዚ ዝኸውን መፍትሒ ኣሎ። ምምሕዳር ከተማ ሪደርከርክ ንትሑት ኣታዊ ዘለዎም ሰባት፣ ሪደርከርክ-ፓስ ይዕድል እዩ። ንወጻኢታት ስፖርት፣ ንኣብነት ናይ ስፖርት ጫማ ወይ ክፍሊት ናይ ክለብ ኣባልነት፣ ንዕኡ ብምጥቓም ክኽፈል ይከኣል።

እዚ ብሓፈሻኡ ስፖርት ምስራሕ ንምጅማርን፣ ንዓኻ ዝሰማማዕ ናይ ስፖርት ትካል ንምድላይን እኹል ምኽንያት እዩ። እንተድኣ ብቐጥታ ናብ ክለብ ስፖርት ክትከይድ ዘይደለኻ፣ ኣብ ሪደርከርክ ነጻ ስፖርታዊ ንጥፈታት ዝውድባ ማሕበራት እውን ኣለዋ።

ብዛዕባ እዚ ንናትካ ባዲ ሕተት። እንተድኣ ባዲ ዘይብልካ ኮይኑ፣ ንዓና ተወከሰና፣ ከምኡ እውን ንሕና ክንሕግዘካ ኢና።

tt5