ጥዕና

ናብ ሪደርከርክ ምስ መጻእኩም፣ ምስ ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ማለት ፍሉኽተሊንገንቨርክ ተዘራሪብኩም ነይርኩም።
እንተድኣ ሓሚምኩም፣ ሓገዝ ንምርካብ ናብ ኣየናይ ዶክተር (ንሕና ነዚ ሓኪም-ገዛ ኢልና ንጽውዖ)፣ ሓኪም-ስኒን ቤት-መድሃኒትን ክትከዱ ከም እትኽእሉ ንሳቶም ነጊሮምኹም ነይሮም። ዶክተር ጓል-ኣንስተይቲ ወይ ወዲ-ተባዕታይ ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተድኣ ጓል-ኣንስተይቲ ጥራይ ክትሕግዘኩም ደሊኺም፣ ወይ ወዲ-ተባዕታይ ጥራይ፣ ብዛዕባ እዚ ንቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ማለት ፍሉኽተሊንገንቨርክ ክትነግሩ ኣለኩም።
እንተድኣ ሓሚምኩም፣ ናብ ናይ ባዕልኹም ሓኪም-ገዛ ትኸዱ። ንስኹም መጀመርታ ብተሌፎን ቆጸራ ክትገብሩ ኣለኩም። ብዝተኻለ መጠን ኣንጊህኩም ደውሉ፣ ከምኡ ምስ እትገብሩ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብታ መዓልቲ ባዕላ ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም።
እቲ ሓኪም-ገዛ ይምርምረኩም። መብዛሕትኡ እዋን እንታይ ከምዘለኩም ንሱ ባዕሉ የረጋግጽን ምኽሪ ይህበኩምን። ወይ መድሃኒታት ይእዝዘልኩም። ኣብ ሆስፒታል ናብ ዝርከብ ፍሉይ በዓል-ሞያ ክትከዱ ዘለኩም ክትኮኑ እውን ትኽእሉ ኢኹም። ስለዚ እቲ ሓኪም-ገዛ ነቲ ሆስፒታል ዝኸውን መወከሲ ደብዳቤ ይጽሕፈልኩም። ብድሕሪኡ ንስኹም ባዕልኹም ኣብቲ ሆስፒታል ቆጸራ ክትግብሩ ኣለኩም። እቶም ሓበሬታታት ኣብቲ ካብቲ ሓኪም-ገዛ እትቕበልዎ ደብዳቤ ኣለዉ።

ኣስተውዕሉ ህጹጽ-ኩነት፡
ንዓኹም ሓደጋ ኣጋጢምኩም ወይ ሓደ ህጹጽ ረድኤት ዘድልዮ ሰብ ሪኢኹም? ብዝተኻለ መጠን ብዝቐልጠፈ ናብ ማእከል ህጹጽ ረድኤት ደውሉ፣ ቊጽሪ ተሌፎን 112። ናብዚ ቊጽሪ ተሌፎን ምድዋል ብነጻ እዩ። ስምኩም፣ ኣበይ ከምዘለኹምን እንታይ ከምዘጋጠመን ጥቐሱ። እቶም ማእከል ህጹጽ ረድኤት ኣምቡላንስ ክሰዱ እንተኾይኖም ክውስኑ እዮም።

Links

General information www.gezondinnederland.info
General information www.ggdghorkennisnet.nl
General information www.netinnederland.nl
Corona www.pharos.nl
Corona www.cashelpdesk.org

tt1