ምልላይ

ባዲታት ማለት ብጾት ንስተደኛታት ምስ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ ከምዝላለዩ ብምግባር ኣገዳሲ ኣበርክቶ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም። ምልላይ ናይ ነንሓድሕድካ ባህሊ ብዝምልከት ንነንሓድሕድካ ብምንጋር እዩ ዝጅምር፡ ኣብ ሃገርኩም እዚ ብኸመይ ይግበር? ንሕና ኣብዚ ብኸምኡ ንገብሮ። እቲ ኣገዳሲ ሓደ ነገር ንምንታይ ብዝተወሰነ ኣገባብ ይግበር ዝብል ሕቶ እዩ። ብዛዕባ እዚ ምዝርራብ፣ ብዛዕባ ድሕረ-ባይታታት ርድኢት ናብ ምርካብ የምርሕ፣ በዚ ኸኣ ናይ ነንሓድሕድ ሕብረተሰብ ብዝሓሸ ከምእትርድኦ ይኸውን።

እንተድኣ ካብ ወጻኢ ሃገር ኣጋይሽ መጺኦምኻ፣ ሃገርካ፣ ከተማኻ ወይ ገጠርካ ከተርእዮም ትደልይ፣ ምእንቲ ብዛዕብኡ ክትነግሮም። እዚ ንሓደ ሰብ ምስ ናትና ሕብረተሰብ ከምዝላለይ ንምግባር ሓደ ደስ ዝብል ኣገባብ እዩ።

ንመንእሰያት ከምዝላለዩ ምግባር ፍሉይ ኣተኩሮ ዝግበኦ እዩ። ብዙሓት ነኣሽቱ ስደተኛታት ጸገማት የጋጥሞም እዩ፣ ከምኡ እውን ፍሉይ ኣተኩሮ ክረኽቡን ምስ ናይ ዕድመ መዛንኦም ከምዝላለዩ ምግባርን ዝግብኦም እዩ።