ብሓባር ምኻድ

ንመጀመርታ ግዜ ናብ ሓኪም፣ ሆስፒታል፣ ቤት-ትምህርቲ ወይ ናይ ስፖርት ክለብ ምኻድ ቊሩብ ዘሻቕል ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ‘ኣብ ኔዘርላንድ ዘለዉ ልምዲታት ኣየኖት እዮም?’

ገሊኦም ስደተኛታት ነዚ ጽቡቕ ገይሮም ክገብርዎ ይኽእሉ እዮም፣ ገሊኦም ግን ኣይክእሉን፣ ብርግጽ እንተድኣ ጥዕና ኣብ ሕቶ ወዲቁ።

እንተድኣ ንስኻ ከም ባዲ መጠን ንሳቶም ናብ ሓደ ቦታ ንምብጻሕ ቊሩብ ከምዘሻቐሎም ኣስተውዒልካ፣ ንስኻ ምስኦም ብሓባር ንምኻድ ደስ ዝብሎም እንተኾነ ክትሓቶም ትኽእል ኢኻ።

ንሕና ኣብ ኔዘርላንድ ‘ንሰባት ዓቕሞም ከምዝሕይል ምግባር’ ዝብል ኣምር ንፈልጦ ኢና። ኣብ መስርሕ ምውህሃድ ነዚ ብኸመይ ትገብሮ?

ብቅድሚ ሓደ ሰብ ዲኻ ደው ትብል? ስለዚ ንዕኡ ወይ ንዓኣ ትከላኸለሉ/ላ።

ብድሕሪ ሓደ ሰብ ዲኻ ደው ትብል? ስለዚ እቲ ብቅድሜኻ ጠጠው ዝበለ ሰብ እቲ ምሉእ ኣደራዕ ንኽዘንቦ።

ወይስ ብጎድኑ/ና ኢኻ ደው ትብል? ምእንቲ ነቲ ‘ንሕና ብስምረት ኢና ደው ንብል፣ ኣብ ኩሉ ነገር በይንኻ ኣይኮንካን’ ዝብል ኣምር ንምግላጽ ዕድል ክትረክብ።

ንዕኡ ወይ ንዓኣ ንኽ(ት)ዛረብ ዕድል ሃብ፣ ከምኡ እውን እንተድኣ ኣገዳሲ ምዃኑ ተዓዚብካ፣ ዘሊልካ እተው ወይ ተጸንበር።

ካብዚ ንላዕሊ ኣየድልይን። ብኸምዚ ሓቢርካ ምዃድ ኣዝዩ ርግኣት ዝህብ እዩ።