ብድጋፍ

ኔዘርላንድ ብዙሕ ሕጊታት ዘለዋ ሃገር እያ። እዚ ጽቡቕ እዩ፣ ምኽንያቱ ጉዳያት ብኸመይ ክግበሩ ከምዘለዎምን፣ እንታይ ከነኽብር ከምዘለናን ንፈልጥ። እዚ ድጋፍን ርግኣትን ይህብ። እንተኾነ ግን ዕንቅፋታት እውን ኣለዉ። ብዙሓት ሕጊታት ብምህላዎም፣ ብዙሓት ኔዘርላንዳውያን ነታ ኣብ ጫካ ዘላ ገርብ ክርእይዋ ኣይክእሉን እዮም። ቋንቋ ኔዘርላንድስ ዘይትዛረብ ወይ ብግቡእ ዘይትመልኽ ወይ ዘይትርድኦ ስደተኛ እንተድኣ ኮይንካ ዝገደደ እዩ። ንስኻ ካብ መዕቆቢ ስደተኛታት ናብ መዕቆቢ ሰተኛታት ክትግዕዝ ኣለካ፣ ከምኡ እውን ርግኣት ንኽትረክብ ግዜ የብልካን ወይ ግዜ ኣይተዋህበካን። ስለዚ ገለ ሓገዝ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።

ስለዚ ሽግራትካ ምስኡ ክትዘራረበሉ እትኽእል፣ ካብ ሓገዝ ናይ ‘ባዲ’ ማለት ብጻይ ዝበልጽ ነገር እንታይ ኣሎ። ወይ ደብዳቤ ናይ ምምሕዳር ከተማ፣ ትካል ክራይ-ቤት ወይ ኢ.ኤን.ደይ ብግቡእ ተረዲእካዮ እንተኾንካ ክትሓቶ እትኽእል? ኣብዚ መርበብ ሓበሬታ ሓፈሻዊ መግለጺ ናይቶም ሓገዝ ክህቡ ዝኽእሉ ትካላት ወይ ማሕበራት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።