ናብ ካልእ ምትሕልላፍ

ስደተኛ ናይ ባዕሉ/ላ ዓቕሚ ብምጥቃም ኣብ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ መንገዱ/ዳ ንኽሕዝ ክመሃር ኣለዎ/ዋ። እንተድኣ ንዕኡ ወይ ንዓኣ ኩሉ ነገር ብኻልእ ሰብ ዝግበረሉ/ላ ኮይኑ፣ ነቲ/ታ ስደተኛ ሓገዚ ኣይኮነን። ዕማም ናይቲ ባዲ ማለት ብጻይ ከም ሓባሪ ማኣዝን እዩ፣ ነቲ ኻልእ ሰብ ኣብ ጉዕዞኡ ንምሕጋዝ። ካብዚ ዝበልጽ ኣሎ ድዩ?

ካብቲ ዝምስረት ምትእምማን ዘለዎ ዝምድና ብምብጋስ፣ ብርግጽ ንኹሎም ምዕባለታት ግስጋሰ ብድሕሪት ትከታተልን፣ ንሕቶታትን ካልኦት መፍትሒታት ኣብ ምንዳይን ቅሩብ ትኸውንን።