ሕቶታት ሓገዝን ንጥፈታትን
ህጹጽ መዕቆቢ መርከብ-ስደተኛታት ‘ደ ሆላንድ De Holland’

ወለንታዊ ስራሕን ሕማም ኮሮናን

ኹሎም ንጥፈታት ኣብ ዝግበርሉ እዋን፣ እንተወሓደ ነቶም ንለበዳ ሕማም ኮሮና ዝምልከቱ መምርሒታት ናይ መንግስቲ ንምኽታል ተፈጻምነት ኣለዎ።

ኣብታ መርከብደ ሆላንድ De Holland’ ድማ እቶም ብማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲዕቚባ [ኮዋ COA] ዝተዋደዱ ሕጊታት ተፈጻምነት ኣለዎም።

 

ወለንታዊ ስራሕ

ኣብታ መርከብ፣ ኣብ ሞንጎ ፋሴት [Facet] ከምኡ እውን ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲዕቚባ [ኮዋ COA] ብዝግበር ምይይጥ ዝውደቡ ንጥፈታት ኣለዉ።

ንሕና ኣብ መዳይ ሌላ ምስ ከባቢ (ንኣብነት ኣብን ከባቢን ሪደርከርክ ብእግሪ ምዝዋር) ዝምልከቱ ንጥፈታት ክንውድብ እውን ንደልይ ኢና። ነዚ ንምግባር ድማ ወለንተኛታት ንደልይ ኣለና።

ብዙሓት ውጥናት ገና ክጻፈፉ ዘለዎም እዮም።

እንተኾነ ግን እንተድኣ ንስኹም ብዛዕባ እዚ ክትነጥፉ ትደልዩ ኮይንኩም፣ ብመንገዲ ናትና መወከሲ ቅጥዒ ክትምዝገቡ ትኽእሉ ኢኹም። ስለዚ ንሕና ኣብቲ እዋን ነየኖት ንጥፈታት ሓይሊ ሰብ ከምዘድልየና ምሳኹም ክንዘራረብ ኢና፣ ከምኡ እውን ብዛዕባ ምዕባለታቶም ቀጻሊ ክንሕብረኩም ኢና።

Meat & greet [ሚት & ግሪት]

ንሓተትቲ ዕቚባ፣ ኣብ ኔዘርላንድ ንነዊሕ እዋን ብዝተቐመጡ ደቂ ሃገሮም ዝግበረሎም ዕድመ ግብጃ ኣዝዩ ዕዉት ምዃኑ ንሕና ካብ ካልኦት ማሕበራት ወለንተኛታት ቀጻሊ ንሰምዕ ኢና። ብናይ ባዕልኻ ቋንቋ፣ ውሕስነት ኣብ ዘለዎ ሃዋሁው፣ ኣብ መንበሪቤት ናይ ወነንቲ መንበሪ ፍቓድ ኮይንካ ክትዘራረብ ምኽኣል መዘና ዘይብሉ ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎ እዩ።

እቲ ‘Meat’ [ምሳሕ] ዝብል ነቲ ንሓታቲ ዕቚባ (ምናልባት) ክግበረሉ ዝኽእል ናይ ምሳሕ ዕድመ ግብጃ ዝውክል እዩ። እንተኾነ ግን ቡን ወይ ሻሂ ንምስታይ ጥራይ ምዕዳም እውን እኹል እዩ።

ንሕና ነዚ ሓሳብ ብምቕባል ክንወስዶን፣ ኣብ ሪደርከርክ ንዝነብሩ ወነንቲ መንበሪ ፍቓድ ምሳና ንኽምዝገቡ ክንሓቶምን እውን ንደልይ ኢና። ሽዕኡ ንሕና ምስኣቶም ብምምይያጥ፣ ካብቶም ነበርቲ ናይታ መርከብ ሓደ ዝሰማማዕ ተዓዳሚ ክንደልይ ኢና።

 

ንጥፈታት ምውዳብ

ጕጅለ ዕዮ ስደተኛታት፣ ንነበርቲ ናይታ መርከብ ኣብ ከባቢ መዓልታት ልደት፣ ናይ ልደት ምቚር ሕብስቲ ክዕድሎም እዩ። እዚ ንስኹም ተግባራዊ ምንቕስቓስ ንኽትገብሩ የተባባዓኩም ድዩ?

ንዓና ሓብሩና፣ ከምኡ እውን ንሕና ነዚ ብኸመይ ከነካይዶ ከም እንኽእል ምሳኹም ክንመያየጥ ኢና።

 

ዕድመ ናይ ህሉዋት ንጥፈታት

ጕጅለ ዕዮ ስደተኛታት፣ ንወነንቲ መንበሪ ፍቓድ ዝኸውን ናይ ስፖርት ሰዓት ይውድብ እዩ።

ነዚ ብዝተስተኻኸለ ዓይነት ንነበርቲ ናይታ መርከብ እውን ከምዝቐርበሎም ክግበር እዩ።

ተመሳሰልቲ ንጥፈታት ትፈልጡ ወይ ትውድቡ ዲኹምንዓና ሓብሩና፣ ከምኡ እውን ውጥንኩም ብኸመይ ክፍጸም ከምዝኽእል ብዝምልከት ምሳኹም ክንመያየጥ ኢና።

ካልእ

ካልኦት ሕቶታት፣ እማመታት ወይ ርእይቶታት ኣለኩም ድዩ?

ስለዚ ናብዚ ዝስዕብ መልእኽቲ መይል ለኣኹ፡ sir.ridderkerk@gmail.com

ሽዕኡ ንሕና ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ዝቐልጠፈ ምሳኹም ርክብ ክንገብር ኢና።

ንጻዕርኹምን ተሳትፎኹምን ኣቐዲምና ብልቢ ከነመስግነኩም ንደልይ።

<hg-ti3>