ህጹጽ መዕቆቢ መርከብ-ስደተኛታት ደ ሆላንድ [De Holland]

ህጹጽ መዕቆቢ

ካብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ፣ ደ ሆላንድ [De Holland] ትበሃል ናይ ተጓዓዝቲ መርከብ፣ ኣብ ወደብ ሪደርከርክ ከም መርከብስደተኛታት ተዶኪና ትርከብ ኣላ። እታ መርከብ፣ ናይቲ ኣብዚ እዋን ካብ መጠን ንላዕሊ መሊኡ ዝርከብ ማእከል መዕቆቢ ስደተኛታት ተርኣፐል [Ter Apel]፣ ከም መሓለውታ መቐበሊ ቦታ ናይ ሓተትቲ ዕቚባ እያ።

ምምሕዳር ከተማ ሪደርከርክ ንግዚኡ ክሳብ 1 ለካቲት 2022 ፍቓድ ሂቡ ኣሎ።

ተራ ናይ ተቕዋም ምውህሃድ ኣብ ሪደርከርክ (SIR)

ኣብታ መርከብ፣ ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲዕቚባ [ኮዋ COA]፣ ንሓተትቲ ዕቚባ ንዘጋጥሞም ላዕሊን ታሕቲን ብዝምልከት ሓላፍነት ኣለዎ።

ንድሕነትን ውሕስነትን ናይቶም ኣብታ መርከብ ዝርከቡ ሰባት ብምዕላም፣ ኣብ ወደብ ርደርከርክ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን፣ ምስ ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲዕቚባ [ኮዋ COA] ብምምይያጥ ንጥፈታት ንኽውድብን ንኸዋሃህድን፣ ምምሕዳር ከተማ ሪደርከርክ ንተቕዋም ግብረሰናይ ፋሴት ሪደርከርክ [Facet Ridderkerk] ሓቲትዎ ኣሎ።

ምስ ወነንቲ መንበሪ ፍቓድ ካብ ዘለዎ ርክባት ዘዋህለሎ ተሞክሮታት ምርኲስ ምግባር፣ ተቕዋም ምውህሃድ ኣብ ሪደርከርክ (SIR) ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ኣብ ምውዳብን ምፍጻምን ይሳተፍ እዩ። ብዛዕባ እዚ ንሕና፣ ኣብ ናይ ቅድም ማእከል መዕቆቢ ስደተኛታት ቦቨርቫርድ [Beverwaard] ኣዝዩ ዝነጥፍ ምስ ዝነበረ ናይ ሪደርከርክ ጕጅለ ዕዮ ስደተኛታት ብጥቡቕ ብምትሕባብር ንሰርሕ።

ንስኹም ብኸመይ ክትሕግዙ ትኽእሉ?

ንሕና ምስቶም ሓገዝ ዘደልዮም ሰባት ንኸነላልየኩም ዘድልይ ኣይመስለናን። እንተድኣ ቊሩብ ዜና ትከታተሉ ኮይንኩም፣ ብዛዕባ እቶም ንኹሉ ነገር ንድሕሪት ገዲፎም ንስደት ብምህዳም ኣብ ሓሳረ መከራ ዝርከቡ ሰባት እኹል ኣፍልጦ ኣለኩም።

ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ሰባት ዝርሕርሕ ልቢ ኣለኩምስለዚ ንኽትሕግዙና ተድልዩና ኢኹም።

ህሉዋት ተግባራት፣ ዝድለዩ ሓገዛትን ምዝገባን ብዝምልከት ኣብዚ ጠውቚ።

<hg-ti2>